ካብ ሃገርካ ድሕሪ ምውጻኻ ውን፥ እቲ ግዜ ደው ኣይብልን እዩ:: ብዙሕ ንገር ይቅየር::
ሓበሬታ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገርካ፥ ንመስርሕ ዑቅባኻ ምቅማጥካን ኣገዳሲ እዩ::
ንመስርሕ ዑቅባኻን ምቅማጥካን ኣብ ጀርመን ዘገድስ ሃገራዊ ሓበሬታ ትእክብ:: ትሕቲ ካርታ ዓለም: ሓንቲ ሃገር መሪጽካ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል::
ብዓለም ደረጃ ዝዓበየት ማሕበር መሰል ወዲ ሰብ እያ:: እቲ ሊንክ ናብ ሓንቲ ሓበሬታ ክትረኽበላ ትደሊ ሃገር ይመርሓካ::
ደቂ ሰባት ኣብ ግዜ ኩናት ክተዕቁብን: መሰል ደቂ ሰባት ዝግህሱ ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከተቅርብን ትቃለስ ማሕበር እያ።
ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምሉእ ዓለም ንስደተኛታት የዕቁብን ይሕግዝን። እዚ ሊንክ ናብ ሃገራዊ ሓበሬታ ይመርሓካ።
ዝተፈላለየ እዋናዊ መጋዜናት ካብ ምሉእዓለም ንክትረክብ ይሕግዘካ።